Image Image Image Image Image Image Image Image Image Image

Nselam.com | October 23, 2014

Scroll to top

Top

No Comments

ሓበሬታ ካብ ወጋሕታ ሳሊና

ሓበሬታ ካብ ወጋሕታ ሳሊና
Forto 21

ሓበሬታ ካብ ወጋሕታ ሳሊና

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ወጋሕታ ሳሊና ብዙሓት ተኸታተልትና ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲሓርሽን ተፈጢሩ ብዛዕባ ዝተብሃለ ኩነታት ዘለና ሓበሬታ ክንገልጸሎም ብተደጋጋሚ ሓቲቶምና ኣለዉ። ካብቲ መዓስከር ስደተኛታት’ውን ንምስልና ዝድውን ዝተፈጠረ ሰላምን ሕውነትን ዝብሕጕጕን ነቲ ሓቀኛ ጠንቂ ጸገማትና ንጎድኒ ብምእላይ ኣብ ጓል መገዲ ክህውተት ዕድል ዝፈጥር ህሞት ይናፈስ ስለዘሎ ብኣካል ተረኺብኩም ሓቀኛ ሓበሬታ ንህዝብናን ደለይቲ ጽቡቕናን ክተቃልሑ ንምሕጸነኩም ዝብሉ ጠለባት ክበጽሑና ጸኒሖም እዮም። ወጋሕታ ሳሊና ነቲ ጠለባት ዓቢ ግምት ብምሃብ ልኡኻቱ ናብቲ ቦታ ኣንቀሳቒሱ ሓቀኛ ምስሊ ረኺቡ ኣሎ። ዝርዝራቱ ልኡኻትና ከካብ መዓስከሩ ክሳብ ዝጽብጽብዎ ንግዚኡ ዝስዕብ ሓጺር ሓበሬታ ንፍትዋት ተኸታተልትና ነቕርብ።

ዕለት ሓሙሽተ ምሸት ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ዝርከቡ  ብምኽንያት ምጥሓል ዜጋታትና ኣብ ገማግም ደሴት ላምፓዱዛ መሪር ሓዘኖም ንምግላጽ ሽምዓ ብምብራህ ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ዝወጹ ኮይኖም ብሰለማዊ መገዲ ወዲኦም ገገዝኦም ምስተበተኑ ገለ ፍሉይ ተልእኾ ዘለዎም ሰባት ነቲ ዕላማ ኣንፈቱ ብምስሓት ኣብቲ መዓስከር ንዝርከቡ ዝበዝሑ ቆልዑን ውሑዳት የዋሃትን ብምልዕዓል ጸላም ሽፋን ብምግባር ስደተኛታት ዝግልገልሉ ቤት ትምህርቲ ሕክምናን መኻዚኖን ንምቅጻል ዓቢ ጻዕሪ ከምዝገበሩ፡ ብኡ ከይተሓጸሩ ከኣ ቤትጽሕፈት UNHCRምስ ሙሉእ ኣቕርቦቱ ንምዕናው ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ንምክልኻል ብዝተተኮሰ ጠያይቲ ዝቆሰሉ ከምዝነበሩ። ተኾነ ግን ሽዑ ንሽዑ ቀዳማይ ረድኤት ተጌሩሎም ንሽረ ተላኢኾም ጉቡእ ሕክምና ረኺቦም ብጀካ ‘ቲ ሓደ ይጽናሕ ዝተብሃለ ተሓካሚ ካልኦት ኩሎም ብሰላም ወጺኦም ከምዘለዉ ልኡኻት ወጋሕታ ብኣካል ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

‘ቲ ናይ ማይ ዓይኒ ህውከት ብዓበይቲ ዓዲ’ቲ መዓስከር ስለዝሃድአን ብሰላማዊ መገዲ ስለዝተፈትሐን ዕላመኦም ዘይሃረሙ ‘ቶም ሃወኽቲ ናብ ዓዲሓርሽ ብምኻድ ሓድሽ ህውከት ንምውላዕ ፈተነ ዝገበሩ ኮይኖም ሓደ ካብቶም ሃወኽቲ ብረት መንጢሉ ልኡኹ ክፍጽም ግብግብ ኣብ ዝገጠመሉ ኣጋጣሚ ሂወቱ ሓሊፉ ምልኣተ ስደተኛ ኣብ ዝተረኸበሉ ከምዝተቐበረ ኣብቲ ቦታ ዝተረኸበ ልኡኽ ወጋሕታ  ኣብቲ ኣጋጣሚ ንዝነበሩ ናይ ዓይኒ መስኻኽር ስደተኛታት ተወኪሱ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ነቲ ኩነታት ዝፈጠሩ ወገናት ካብ ክልተ ድልየታት ዝተበገሱ ምዃኖም ቃለመጠይቕ ዝተገበረሎም ዜጋታት ይገልጹ።

እቲ ሓደ ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምኻድ ዘሎ ህንጥዩነት ዝፈጠሮ በዚ ድፍኢት ጌርካ ተሰመረ ብምሕሳብ ኮይኑ ‘ቲ ካልኣይ ነቲ ኩነታት ካብ ዘሳወሩ ልኡኻት ህግደፍ ዝመጽእ ድልየት ግን ነቲ ኢሳይያስን ስርዓቱን ብዝፈጠሮ ስደት ዝሃለቑ ዜጋታትና ፈጢርዎ ዘሎ ቁጠዐ ኣንፈቱ ጠዊኻ ንስደተኛታት ምስቲ ዝሓብሐቦም ህዝቢ ጎረባብትን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣጻሊእኻ ፋሕብትን ተበለ ንምፍታን’ዩ ነይሩ። እቶም  ቁንዕ ካብ ዝኾነ ድልየት ተበጊሶም ሕተኦም ዘቕረቡ ዜጋታት ጠለባቶም ብምርድዳእ ክፍታሕ ኣብ ሓደ ነጥቢ ዝበጽሑ ኮይኖም ነቶም ካብ ዓዲ ኣባሪሮሞም ክነሶም ስዒቦም ኣብ መዓስከራት’ውን ንዝህውኽዎም ልኡኻት ህግደፍ ግን መልክዕ ክሕዙ ብምጥላብ ክቃልዑ ስለዝገበርዎም ኣብ ክልቲኡ መዓስከራት ሙሉእ ርግኣት ተፈጢሩ ሰብ ንግዳያት ባሕሪ ሓዘኑ ክገልጽ ድንኳናት ተኺሉ ብሰላማዊ መገዲ ሓዚኑ ይገልጽ ከምዘሎ ልኡኻትና ብኣካል ተረኺቦም ኣጥሊሎምልና ኣለዉ። ዝርዝር ኣገላልጻ ሓዘኖምን ሙሉእ ስእሊ ናይቲ ኩነታትን ምስ ነበርቲ እቶም ኣብ ትግራይ ኣርባዕቲአን መዓስከር ዝተዓቐቡ ስደተኛታት ዝተገበረ ዕላላት ብተኸታታሊ ክነቕርብ ምዃና ንክቡራት ተኸታተልትና ንሕብር።

ወጋሕታ ሳሊና ናይ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ!

 

 

 

Submit a Comment